ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ መራሕ መኪና ሞይቱ፡ ሓደ ካልእ ቆሲሉ ካልኦት ብዝሒ ዘለዎም ድማ ምጭዋዮም ነቲ ኩነታት ...
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ በበይኑ ቦታታት ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ምቍራጽ ሓገዛትን ተደማሚሩ ንለበዳ ሕማም ዓሶ የጋድዶ ከም ዘሎ ንሰብ-መዚ ጥዕና እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ ...
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ስቪል ማሕበራት ኣብ ታሕሳስ 2024 ዝተነብረ ክልከላ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚን ክልከላ ዝተነብረሎም ማሕበራትን ድሕሪ ዘካየዶ ...
(ሕሜቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ምስ ካልኦት ወገናት ብምሕባር መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ ሱዳን ፈሪሞም። እቶም “ኪዳን ጥምረት ሱዳን ብዝብል ስያም ኣብ ናይሮቢ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጋብኡ ...
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸንሖ ዝምድናን ናይ ምክልኻል ውዕላትን ዳግም ክምርምሮ ከምዝኾነ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ እቲ ሕብረት ነብሱ ንምክልኻልን ሓይሉ ...
ኣብ ሰሜናዊ ወገን ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ካኩማ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ብዝተፈጥረ ጎነጽ ብውሑዱ ኣርባዕተ ካብቶም ስደተኛታት ብጥይት ተወጊኦም። ኣሽሓት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ...
ቅድሚ ኣስታት ሓሙሳ ዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተረኽበ ኤክሰላ ዝተባህለ ዓይነት ቡን፡ ሎሚ ተቐባልነቱ እናዓበየ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ንሓረስቶት ድማ መለሳ ኰይኑ፡ መጠናዊ ኣታዊ ንኽረኽቡ የኽእሎም። ምስ ...
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብቅልውላው መሪሕነት ክትሳቐ ዝጸንሐ ኣውስትሪያ፡ ሎሚ ሰኑይ ብቻንስለር ክርሲታን ስቶከር ዝምራሕ ናይ ጥምረት መንግስቲ ስራሑ ጀሚሩ። ኣብታ ብሽቕለት ኣልቦነትን ዝቕባብን ...
መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክሬን-ሩስያ ንምዝርራብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሎንደን ተራኺቦም። ፕረዚደንት ዩክክሬን’ውን ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ርሱን ዝርርባት ...
ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ኲናት ደው ምባል፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ተንብሮ ዘላ ግብርን ምቅናስ ብዝሒ ሰራሕተኛታት ፌደራላዊ መንግስቲን ዝብሉ ካብቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ናይ ካልኣይ እብረ ምምሕዳሮም ቀዳማይ መደረ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን ዝያዳ ከብርህዎም እዮም ...
እስራኤል ትማሊ ሰንበት ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ቓዛ ኸይኣትዋ ከም ዝኸልከለት ተፈሊጡ። ረድኤት ዝፀዓና ዓበይቲ መካይን ትማሊ ሰንበት ኣብ መሕለፊ መስመር ዶብ ናይ ግብፂ ራፋህ ደው ኢለን ...